ልደት ኣብ ኤረትራ

Foto: Andrea Moroni

ዝክሪ በጻሒ ልቢ ድሮ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ ካብ ስድራይ ካብቲ ሙዉቅ መኣዲ ካብ ዝፍለ።

ዝክርታት ንድሕሪት ና መለሱ ቃንዛ ክገብርልይ ይፍልጠኒ ።መቀረት ስድራ ብዝያዳ ሕጂ የ ዘስተማክሮ ዘሎኩ ፣ ፍለይብዝበለ ከኣ ኣብዚ ቅንያት ለደት  ሰለስተ ሰሙን ክተርፎ ከሎ ነጋዶ ናይ ቲ ከተማ ጽሕድታቶም ብዘብለጭልጭኣወቂቦም ብቤትሮ ናይ ዱካዉንቶም ብምዝርጋሕ ንቲ ከተማ ግርማ ይዉስክሉ ፣ ልደት ከም ዝኣተወ ዉን ንእግሪመንገዶም ይነግሩ። ኣብርእሲ ዚ ዉን ህጻናት ብምክኛት ባል ሓድሽ ክዳዉንቲ ክግዛኣሎም ከም ልሙድን ባህልን ስለዝኮነ ምምስ ስድራኦም ኣብ ዳ ክዳዉንቲ  ክዳን ክዕቅኑ  ሓጎሶም ከንጸባርኩ ክትርኢ ደስ ዝብል ቅንያት ኢዩ።

ከምኡ ዉን ካብቲ ከተማ ወጻኢ ዝነብሩ ሓሮስቶት ናብ ቲ ናይ ትሪት መሸጢ ቦታ ጥሪታቶም ሒዞም ይመጹ ነባሪ ትከተማ  ካብቲ ናይ አዳጋ ቦታ ንቲ መዓልቲ ዝኮኖ ብጊዕ ጤል ከምኡ ዉን ናይ ብዕራይ ንቲ ማዓልቲ ዝኮኖ ስጋ ይገዝእ።ኣድይ ዉን ካብ ዚ ማዓልቲ ዚ ኣትሒዛ  ነቲ ባህላዊ መስተ ከተዳሉ ክርእያ ከለኩ ደስ ይብለኒ ዝያዳ ታ ማዓልቲ ቅድሚ ታማዓልቲ ነታ ማዓልቲ ኢልካ ዝግብር ኣዝዩ ደስ ይብለኒ።ኣብቲ ግዜ ቲ ንነዉሕ ዘይረኣካዮ ዝነብርካ ሰብ ትርእየላ  ምስስድርኡ ሓቢሩ ኵኡዕል ዝመጻሉ ቅንያት ዩ።

ኣብቲ ድሮ ዉን ኩሉ ተገሩ ማለት ባህላዊ መስተ ዝተፈላለየ ዓይነት መግብታት ጽሕዲ ተተኪሉ ሚስ ዝተፈላለ ዪመማላኪዕታት ፣ ኣብቲ ማዓልቲ ኩሉ ሰብ ንግሆ ተሲኡ ናብ ቤት ክርስትያን ብምካድ ኣምላኩ የመስገንን የምልክንኪሳብ ሰዓት ፱ ዉን ኣብኡ ይጸንሕ ። ናብ ገዝኡ ኣብ ዝምለሰሉ ከኣ  መምስ ዝረከቦ ሰብ እንኻዕ ኣብቀዓና ይብሃሃል።ምስ ረፈደ ከኣ ንዓይንካ ዝመልእ ባህላዉን ዘመናዉን

ኣከዳድና ትርኢ፣ ኣብ ግዜ ምሳሕ ዉን ኩላትካ ስድራ ሓቢርካ ኣብ ሓደ ማኣዲ ትምሳሕ። ካብ ኩሉ ብፍሉይ ደስዝብለኒ ግን  መሳርሕትን መታዓቢትን ዝኮኑ ኣመንቲ ምስልምና ዝተፈላለየ ከካትን ቶርታን ሕዞም ብምጻእ ሓቢሮምምሳና ይዉዕሉ። ምክብባርን ትሕትናን ሓድነትን መለለዪ ናይ ቲ ሕብረተሰብ ምካኑ ከኣ ይበርሃልካ።

ቅሳነት ኣብራሃም።

Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)

More from Kesanet Abraham

ጸሓየይ

ጸሓየይ   ኣይሰከፊ ብምንብዐይ ሓጎስ እንዳሉ ሓጎስ ዉሽጠይ ብዝርንዝሕ ንብዓት ብጀለምታ እግለጽ...
Read More