ስዒርክኒ
ክንደይ ጠሚተ የ
ኣብ ዓይነይ ዝዓልባ
ከም በለጭታ በርቂ
ብ ማሕታ ዝወጋኣ
ግና ከይ ጸንሓ ብ ደበና ልበይ ይግታኣ.
ናትኪ ጊን ፍሉይ ዩ
ምዖጋት ያብየኒ
ጭራ ጸሓይ ኮይኑ ፈንጢሱ
መጸኒ
ት ፍቅርኪ!
ንዓይነይ ሲዕሩ
ኣብ ልበይ ነጊሱ
ሙሩኩ ገርኒ ልብኪ
ዓደይ ኮይኑ
ተስፋ ዝስንቅኪ ጾር ጽከሚ
ሕልምኪ ክትፈትሒ
መሊስኪ ትሓልሚ
ተረቲዐ ኣነስ
በቃ ሰዒርክኒ
ልበይ ወሲድክያ ኺ
ልብኪ ሃብኒ።
ቅሳነት ኣብራሃም
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)