ድሕሪ ዕራርቦ

ድሕሪ ዕራርቦ

 

ጸላም ምስ ነገሰ
ድምጺ ምስ ቀነሰ
ኩሉ ምስ ደቀሰ

ነዲቀኪ፣
ኣብቲ ናተይ ዓለም ፍቅሪ ሰረት ጌረ
ብዝፈረየ ብዝደቀቀ
ብዝቀረበ ብዝራሓቀ

በቲ ልብይ ርሻን ፍቅሪ
በቲ መንፈሰይ ደላዩ ፍቅሪ
ሕሩያት ቃላት መመሪጸ
ትምንተይን ሓሳብይን ገሊጸ

ኣቢት ´ወ ክጥዕም
ዓለመ ብዓለማ
ምስ ኩሉ ፍጡራ
ፍቅሪ ብዘይ መንቅብ
ኣነን ንስክን ክንምህራ

ክሉ ክኮነለይ ኣብቲ ጥዑም ድቃስ
ነዳዩ ናይ ልቡ ይሓልም ተዘይ ኮይኑስ
በሊ፦
ትምኒትይ ብግልጺ ክንገላለጽ
ኣብ መካነ ፍቅሪ ፍቅሪ ክንሃንጽ
ኢለ ቢሂገ
ቢሂገ ዉን ጺሕፈ ኣሎኩ
ሕልመይ ናብ ጋህዲ ክቅየር
ልበይ ሂቡ ን ክቅበል።

 

ቅሳነት ኣብራሃም

More from Kesanet Abraham

ኪንራከብ ኢና

    ክከዳ እየ  ክትመጸኒ። ክቀርባ የ ክትቐርብኒ። ኣነ ካብ ዓዲ ሰላም...
Read More