ወቅቲ ፍቅሪ
ከም ቀደሙ የለን
እዚ ጎደና ፍቅሪ
ብርሃኑ ድብዛዝ
ኣይጸላም ኣይቀትሪ።
ኣቤት ትርእቱ ከፍርሓካ
መንፈስካ ኣቁሪሩ
ትብዓት ዘሕድገካ።
እእእእምምም
ከምኡ ኻ ዘይነበረ
ሓድሽ እነሃለ።
ንሕና ውን ክምዚ ኣይነብርናን
ንጹሃን ኢና ነርና
ከም ልቢ ህጻን
ሕጂ ግን ነገር ሰብ ተራሓሒቅና
ኣብ ትዕቢት ተዓቑብና
ንተሃሳሰ ኣለና።
ተስፋ ጊን ኣሎኒ፣
ንሱ ድማ ፣
ወቕቲ ቀዋሚ ስለ ዘይኮነ
ወቕትና ክመጽእ ዩ
ሰላምና ዝሓዘለ።
ቕሳነት ኣብራሃም።
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)