ንኽነብር

ንኽነብር

ግዜ ንትማል ዘይትጥምት
ዓይኑ ተኺሉ ንጽባሕ ዘቛምት። ምህላው ‘ዩ መልሲ ሕቶ ዓለም በብተውህቦኻ ‘ዩ ዐዕማምካ ዝዕመም።

ንኺድ ልበይ!
ውነካ ኣልዕል
እንታይ ኣሎ ኣብ ሕመታ እንታይ ኣሎ ኣብ ዕላል
ዝጠዓመ ከሎ ብነብስኻ
ምስ ነብስካ ምዕላል።

ከም ግዜ፥
ካልኢት እናነጠረ
ዓመታት ዝፈጥር
መዓልታት እ ናዞረ።
ከምኡ ኩን ልበይ!
ኣብ ሎሚ ጠዓሞ ንዕረ
ጽባሕ ከሐጉሰካ ‘ዩ
ምንባር ምስ መቐረ
ምዓር መስ ተፈጥረ።

 

ገጣሚ
ቕሳነት ኣብራሃም

Tags from the story
, ,
More from Kesanet Abraham

ስዒርክኒ

ስዒርክኒ   ክንደይ ጠሚተ የ ኣብ ዓይነይ ዝዓልባ ከም በለጭታ በርቂ ብ...
Read More