ኪንራከብ ኢና

 

 

ክከዳ እየ  ክትመጸኒ።

ክቀርባ የ ክትቐርብኒ።

ኣነ ካብ ዓዲ ሰላም

ንሳ ካብ ዓድና ጸላም

ክንራከብ ኢና ኣብ ሞንጎ

ኣጋይሽ ኢና ኣብቲ ንራከቦ።

 

ኣብ ቲ ትማል ንሓርነት ደልየ፡

ኮልል ክብል

ኣዕቂለ ኣብ ዕድል

ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክናጠር

ብዙሕ ክሽገር።

 

ኣብታ ባኣሞይ ዝሰደድትለይ ስእሊ

ኣብኡ ሎ ትምስሊ

ዓቀን ፍቅራ ኣብ ልዕለይ ዘርኢ

ኣዒንታ ከም ማይ ዝወድአ ዒላ

ተባላሽዩ ምዕጉርታ ዘይምሱል መሲላ

 

ሂወታ ብሂወተይ ክሽገር

በርሂለይ ናይ ኣደን ዉላድን

ዓቢ ፍቅሪ  ምስጢር

 

ኣብ ዉሽጠይ ኮይኑ ከብደይ ሓፍ ሓፍ ዘብል

ዕምቆት ፍቅራ ዘይ ርከቦ መስፈር

ነቂለየ ኣነ ክረክባ

ፍቅሪ ክምግባ

 

 

ቕሳነት ኣብራሃም

 

More from Kesanet Abraham

ንኽነብር

ንኽነብር ግዜ ንትማል ዘይትጥምት ዓይኑ ተኺሉ ንጽባሕ ዘቛምት። ምህላው ‘ዩ መልሲ ሕቶ...
Read More