ኩልና ኢደ-ኢድና

Foto: Stefan Hage

ፍረወይኒ ሃብተማርያም ቃልሲ ንሰላም ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውዕል-ሰላም-2018 ገና አብ ሽቶኡ ከምዘይበጽሐን ቀጻሊ ሙዃኑን አብሪሃ ተንቲና

ካብዞም 1500 ዝቑጸሩ አብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ በርሊን ተሰዲዶም ዝመጹ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዴታዊ ወትሃደራዊ አገልግሎትን ካብቲ አብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ገበናትን ሃዲሞም ድመጹ እዮም።  ፍረወይኒ ሃብተማርያም ግን 1980 አብቲ እዋን ካብ ዝነበረ ኮሚንስት ስርዓት ሃዲማ ንጀርመን ተሰዲዳ። ካብ 1999 አትሒዛ ድማ አብ በርሊን ትነብር፡፡ አብ ርእሲ ልሳን አዲአ ቋንቋ ትግርኛ ብተወሳኺ ንጹር ቋንቋ ጀርመን፡ እንግሊዝኛን አምሓርኛን ትመልኽ። በዚአን ቋንቋታት ተመሪቓ ድማ ዕላዊት ተርጓሚት ኮይና ትሰርሕ። ብተወሳኺ ከም ምክትል አቦ መንበር ማሕበር Eridac e.V (Eritrean Initiative for Dialogue and Cooperation) ተወፍያ ተገልግል።

ድሕሪ ብዕድመ Bundeszentrale für politische Bildung ዘቕረበቶ ክልተ መደረታት ምክትታል፡ መጽሄት KulturTÜR ዕለት ሓደ ግንቦት፡ ስለምንታይ ኩነታት ኤርትራ በቲ ሓደ ወገን አሻቓሊ ብካልእ ወገን ድማ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ዘቲና።

ኢትዮጵያን ኤርትራን 2018 ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪሞም፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ዘሐጉስ ኩነት ዘይኮነ?

ሰላም ኩሉ ግዜ ዘሐጉስ እዩ። መጀመርያ ዶብ ምስተኸፍተ ሓጎስና ወሰን አይነበሮን፡፡ ከይደንጎና ግን እቲ ኩነት ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ክኢልና። እቲ ምቅርራብ አብ መንጎ እቶም ክልተ ሰበ-ስልጣን ዝተወሰነ እዩ። እቲ ጉዕዞ ናበይ ገጹ ዘምርሐ ከምዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሃቦ ሓበሬታ የለን። ሓቀኛ ዕላማ እቲ ውዕላት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ መዓከን ዜና ኢትዮጵያ ጥራዝ ኢና ክንውከስ ንኽእል – ዶብ አብ መንጎ እዘን ክልተ ልኡላት ሃገራት አድላይነት የብሉን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ርእሰን ዝኸአላ ሃገራት ከምዘይኮና፡ ብኣንጻሩ ከም ሓንቲ ሃገር ክንርእየን ከምዘለና ወዘተ. ይሕበር። ውልቀ መላኺ ኤርትራ፡ ኢሳያስ አፈወርቂ፡ ሓላፍነት መሪሕነት ንቀዳመይ ሚኒስተር ዶ/ር አብይ አረኪብዎ። እቲ ናይ መወዳእታ ሰብ ክጻወሮ ዘይከአለ ግን፡ አብቲ ዝተፈራረመሉ እዋን ሽቶ ዕላማና ወቒዕና፡ አይከሰርናን ምስበለ እዩ። ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንነጻነት፡ ኮምኡ እውን አብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነፍሖ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ጽልኢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ እሞ ንሱ ዘስዓቦ ናይ ዶብ ውግእን ዝተኸፍለ ዋጋ ሂወትን  አብ ግምት አእቲኻ፡ ንዕቀት ዝመልኦ ጽፍዒት እዩ ኔሩ! ጽፍዒት ድማ ዘሐጉስ አይኮነን!

አብ ዝሓለፈ ትንተናኺ፡ ኩነታት ኤርትራ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ይቀያየር አሎ ኢልኪ ኔርኪ።

እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጽፍዒት ንብዙሓት ስጋብ ሕጂ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዝጸንሑ አበራቢሩ እዩ። ብዙሓት ብራዕዲ ተሓቢኦም ዝነበሩ እውን መጀመርያ በብሓደ፡ ቀጺሎም ውሑዳት ተአኪቦም፡ ሕጂ ግን ብሓያል ጥርናፈ አብ ምእኩል ቦታታት ከባቢኦም እናተአከቡ ነዚ ስርዓት ይአክል ይብልዎን ይጭርሑን አለዉ – ንሕና ደቂ በርሊን እውን ኮምኡ፡ መጀመርያ ሚያዝያ 35 ንኸውን ሰባት ተአኪብና፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን ልዕሊ 200 ንኸውን ተኣኪብና። ገና ውን ብዙሓት ይጽንበሩና ኣለዉ። እዚ ምዕባሌታት እዚ ድማ ኣብ ኤርትራውያን ዝቕመጡሉ፡ ኣብ ሙሉዕ ዓለም ይርአ ኣሎ። ኩላትና ድማ ብሚድያታት ዝተኣሳሰርና ስለ ዝኾና ንዓና ኣተባባዒ ነቲ ስርዓት ድማ ኣርዓዲ ምዕባሌ እዩ።

እሞ እዚ ውዕል ሰላም ዝበሃል ደሎ እንታይ ወሊዱ ክበሃል ይከኣል?

ንዓና እዚ „ንሰላም ዘይኣመተ ውዕል“ ዓቢ ዕድል ከፊቱልና። እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ እውን ክበሃል ይከኣል። እንታይነትን ዕላማን እዚ ስርዓትን ገሊጹ ኣቃሊዑ፡ ንብዙሓት ሰዓብቱ ድማ ኣበራቢሩ።

ሕጂ ኩሎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ንምዕቃብ እናተቓለሱ፡ ዶብ ክሕንጸጽ፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ፡ ሕጊ ክጸድቕን ነጻ መረጻ ንኽዳሎን ወዘተ. ይቃለሱ ኣለዉ።

ኣብ ዲክታቶራዊ ስርዓታት ዝነግሰሉ ንውሕስነትካ፡ ከይሓሰብካ ደይምዝራብ ይምረጽ። ንስኺ ብናተይ ኣረኣእያ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊት ኣብ ዲያስፖራ ኢኺ፡፡ ኣብ ጀርመን ኮንኪ ትሰግ ኢ‘ ዶ?

ንዓይ ፖለትካዊት ትመዝነኒ – ኣነ ብፖለቲካ ዝግደስ ደኣ እንበር ፖለቲካዊት ጌሬ ንነብሰይ ኣይገልጻን። እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ ኮነ ገና ሕጂ እውን ነዊሕ መሓውራት ኣብ ዲያስፖራ ኣለዎ። ነቲ ስርዓት ክትነቅፍ እንከለኻ ዘየስግእ ኣይኮነን። እቲ ከቢድ ዋጋ ተቓወምቲ ንኸፍሎ ድሞ፡ ዓድኻ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን፡፡ ብዙሓት ስድርኦም ክበጽሑ ኣይከኣሉን። መቓልስተይን ኣነን ኩልና ንነብስና ኣፍ ናይቶም ዓው ኢሎም ክዛረቡ ዘይክእሉ ኣብ ኤርትራ ዘልዉን፡ ናይቶም ስጋብ ሕጂ ኣብ ስደት ሃገር ከይተብዑ ዝጸንሑን ጌርና ኢና ንወስዳ። እዚ ምዕባሌታት ክርኢ እንከለኹ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን። ካብ ሕጂ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ክንመሃር ኣለና፡ ኮምኡ እውን ቁስሊታትና ክንፍውስ ክንጽዕር ኣለና፡ ነንሕድሕድና ብዙሕ ተቖሳሲልና ኢና። ከምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ መደባት ነዚ ዝኣልዩ ክኢላታትን መንጎኛታትን እውን የድልዩኻ እዮም፡

ኣብዚ ምዕባሌታት እዚ እንታይ ግደ ተበርክቲ?

ብሓፈሽኡ ንብዙሓት ተቢዖም ክቃለሱ ዝመጹ ይቕበልን የሰኒን። ኣብዚ ቦታና ኮነ ምስ ኩሉ ዞናታት ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ኣለኒ። ኣብ ኮንፈረንስ ይሳተፍ። ኣብዚ ቀረባ ሓንቲ ንኹሉ ቃልስታት ናይ ድያስፖራ ትጠምር ጽላል ማሕበራት ኣቒምና፡፡ ነዚኣ ጽላል እዚኣ ካብ መጀመርያ ስጋብ ምምስራታ ዘበርከትኩ መስራቲት ኣባል እየ። ብተወሳኺ ኣካል ናይቲ ንለውጢን ድሕሪ ለውጢ ክሰፍን ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ምርግጋኣት ዝኣመተ ተሳታፊትት ቃልሲ እየ። ፍሉይ ግደ ኣለኒ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣካል እቲ ቃልሲ እየ። ቃልስና ስሩዕ ቅርጻ ንምትሓዙ ኣላዪ ግደይ የበርክት፡ ራኢየይ ንምዕዋት እውን ይቃለስ። ተስፋ ይገብር ቀጻሊ እኹል ነብሰ ምትእምማንን ደገፍን ክህልወኒ።

ሎሚ ዕለት ሓደ ግንቦት እዩ፡ ብዙሕ መደረታትን፡ ተቓውሞን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣሎ። ኤርትራውያን ኣብ በርሊን ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ርእየ ኣይፈልጥን። ከም ትዕዝብተይ፡ ኣይረኣዩን፡ ኣይስምዑን፡ ሓፋራት ህዱኣት፡ ኮይኖም ይረኣዩኒ። ፍርሒ ድዩ ወይስ ተፈጥሮ ኣዊ ጠባዮም እዩ እቲ ምኽንያቱ?

ብዛሕት ኤርትራውያ ዕለት ሓደ ግንቦት ኣብ ጀርመን እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝፈልጡ ኣይመስለንን። ናይ ኣተዓባብያ ጉዳይ እዩ። ሕጂ እዮም ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መጺኦም፡ ብኡ ምኽንያት ድማ ነብሰ ምትእምማን ይጎድሎም እዩ። ኣብ ኤርትራ ስለ እቲ ድብልዎን ድገብርዎን ብዙሕ ጥንቃቐ ክህልዎም ይግደዱ ኔሮም፡፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት እውን ብዙሕ ፈተነታት ኣጋጢምዎም እዩ። ብተወሳኽ መጀመርያ መንበሪ ወረቐት ክረኽቡ ይመርጹ። ዋና ምኽንያት ግን ከምዝመስለኒ፡ ምንም ምስ ፖለትካ ዝዛመድ ነገር ክሕወስዎ ስለ ዘይደፍሩን ዘይደልዩን እዩ። በዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታት ዝተተባብዑን ግዲኦም ከበርክቱን መርገጽ ክወስዱን ሓላፍነት ዝስምዖም ግን ብዙሓት ኣለዉ። ነጻ ኾንካ ናይ ምዝታይ ባህሊ ብሕጂ እንምሃሮ ከገድስ እዩ – እዚ ብዝያዳ እኳ ደኣ ነቶም ስጋብ ሎሚ ደገፍቲ ስርዓት ዝጸንሑ ዝምልከት እዩ።

ንኤርትራውያን እንታይ ለበዋ ኣለኪ?

እዚኣ ዕድል እዚኣ ከተምልጠና የብላን። እዚ ማለት ነካይዶም ዘተ ውጽኢታዊ፡ ንወስዶም ስጉምትታት ድማ ንቕድሚት ዘሰጉሙ ዝኾኑሉ መንገዲታት ኩላትና ከነናዲ ይግባእ። መሰረታዊ ለውጢ ስርዓት ክግበር ኣለዎ። ጽገና ቅቡል ክኸውን የብሉን። ሃገራዊ ዘተ ድማ ካብ ሕጂ ክንጅምሮ ኣገዳሲ እዩ። ኣውራጃ፡ ሃይማኖት ፈላለይቲ ነጥብታት ክኾኑ የብሎምን። ዝርኣየኒ ኣሉታዊት ነጥቢ እንተሎ፡ ናይ ተቓውሞ ትውልድታት ምፍልላይ ዝምልከት እዩ። ብናተይ ርእይቶ፡ ኩልና ኢደ-ኢድ ክንቃለስ ኣለና።

 

ብጣዕሚ እናመስገንኩ ሓይልን ዓቕልን ይምነየልኪ!

ሽቴፋን ሃገ  ካብ መጽሄት ኩልቱር ቱር (መጽሄት ማዕጾ ባህሊ) ግንቦት 2019

More from DRK Berlin Steglitz-Zehlendorf