ናይ ፍቅሪ ዓለም
መንፈስ ሰላም
ናይ ዉሽጠይ ዓለም
ብዓይኒ ዘይርአ ፥
ብልቢ ዝብጻሕ
ኣብኡ የ ዝነብር
ኣብ ሎሚ ንጽባሕ።
ግን ዘይኮነስ ከመይ ‘ዩ
ኣበይ ዘይኮነስ ናበይ ‘ዩ
ትጉዕዞ…..
ጉዕዞ ፍቅሪ ክሉ ዝርከቦ።
ኣነን መርከበይን ኣብዚ ሂወት
ኣብዚ ደረት ዘይብሉ ባሕሪ ስፍራ ዕግበት
ምሃብ እንበር ምዉሳድ ኣይኮነን ናጽነት።
ኣብ ፍቅሪ ኣሚንና
ክንጋዓዝ ኢና ብእምነት።
ቕሳነት ኣብራሃም።
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)