ናይ ፍቅሪ ዓለም

ናይ ፍቅሪ ዓለም

 

መንፈስ ሰላም
ናይ ዉሽጠይ ዓለም
ብዓይኒ ዘይርአ ፥
ብልቢ ዝብጻሕ
ኣብኡ የ ዝነብር
ኣብ ሎሚ ንጽባሕ።

ግን ዘይኮነስ ከመይ ‘ዩ
ኣበይ ዘይኮነስ ናበይ ‘ዩ
ትጉዕዞ…..
ጉዕዞ ፍቅሪ ክሉ ዝርከቦ።

ኣነን መርከበይን ኣብዚ ሂወት
ኣብዚ ደረት ዘይብሉ ባሕሪ ስፍራ ዕግበት
ምሃብ እንበር ምዉሳድ ኣይኮነን ናጽነት።

ኣብ ፍቅሪ ኣሚንና
ክንጋዓዝ ኢና ብእምነት።

 

ቕሳነት ኣብራሃም።

Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)

Tags from the story
, , , , , , , ,
More from Kesanet Abraham

ድሕሪ ዕራርቦ

ድሕሪ ዕራርቦ   ጸላም ምስ ነገሰ ድምጺ ምስ ቀነሰ ኩሉ ምስ ደቀሰ...
Read More