ደብዳበ ልቢ።
ኣብ ዚ ሓዊ ፍቅሪ
ኣይብለክን ኢየ፥ ተቓጸሊ ምሳይ
ምርጫኪ ይኩን ምርጫይ
ኢለ ንኽጥዕመኒ ንዓይ።
ግን ከኣ ይትምነ ክትኮንኒ፥
መሳጉምቲ እግሪ
መማቕልቲ ናብራ
መባልዕቲ ፍቅሪ
ምርጫኪ ተኮይኑስ
ኣብ ልበይ ዩ ቦታኪ።
ኣንቲ ዑፍ በረካ
ኣንቲ ዑንቂ ባሕሪ
ልብይ ንዓኪ ዩ ዝሓሪ።
ቕሳነት ኣብራሃም
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)