ማዕበል ተላዒሉ

ናብ `ዚ ባሕሪ
መሐንበሲ ክልተ ልቢ
ባሕሪ ፍቕሪ
ኣቲና በብስድሪ
ተዋሃሃብና ቐልቢ
ጥሕልና ኣቲና ንዉሽጢ
ተረዳዲእና ብዘይ ድምጺ።

ጥዑም ከኣ ነይሩ ዘይ ምኖ
ት` ንገብሮ ት` ትንኮኖ
ት` ንደልዮ ት` ንከዶ
ብዉህደት ንበጽሖ
መመሊስና ንደግሞ
ጥዑም ነይሩ ዘይ ምኖ።

ሎሚ ግን ከም ዘይ ትማሊ
ኽወጽእ ምስ በልኪ ካብዚ ባሕሪ
ልበይ ሕዝኪ ኽትስወሪ

ማዕበል ተላዒሉ
ስክፍታይ ሓዚሉ
ሸቀልቀል ኣእቲለይ
ተገማጢሉ ውሽጠይ።

ኣቤት ስቓይ
ካብ ትፈትዎ ምፍላይ
ዘይብሉ ኻልኣይ
መሪር ዩ ቀዳማይ

ኣቤት ስቃይ
ካብ ትፈትዎ ምፍላይ።

 

Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)

Tags from the story
, ,
More from Kesanet Abraham

ወትሃደር ፍቅሪ

ሓላዊ ሓቂ ማዕተቡ ፍትሒ ወተሃደር ፍቅሪ! ሓሶት ሱር ዘይብላ ጨናፍር ኣብቂላ ግርህናና...
Read More