ባህታ ዝፈጥር ንፋስ
ፍሽ ፍሽ ክብል
ምስ ማይ ክገማጠል
ኣነ ኣብ ቲ ገምገም ኮይነ
ኣብ ድምጺ ዘይብሉ ዕላል
ካብ ዝክሪ ናብ ዝክሪ ይዘልል
ከም እክሊ ንከብዲ
ዝክሪ ንልቢ
ቐለቡ ዩ ኢለ……..
ገይሸ ንፋስ ተሓዚለ
ግዜ ቁልዕነተይ
ከም ናይ ንግሆ ጸሓይ
ዘይ ሃስስ ስእሊ ኣብ ደረት ሰማይ
ናፊቀዮም ስድራይ።
ውዕሎቶም ዘይርሳዕ
ዕዳ ፍቅሮም ዘይዉዳእ።
ከምቲ ምፍልላይ
ምርካብ ዉን ኣሎ
ግዜ ብልዕ እንበር
ኣበይ ከይተርፍ
ሰላም ክነግስ ዩ
ስድራ ዝጠራንፍ
ኢለ ኣዝሚረ …….
መዝሙር ተስፋ ዩ ዘይዉዳኣ ሓይሊ
ኽሉ ክብጻሕ ዩ ብዓቕሊ
ዉን ውሲከሉ
መዝሙር ናፍቆት ዩ
ይብጻሕ ንፋስ ተሓዚሉ።
ቅሳነት ኣብራሃም
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)