ብስሚዒት ርድኢት ክዉረር
ህወት መልክዓ ትቅይር።
ኣብዑር ክባኣሱ ሳዕሪ ይህሰ
ይዕምጠቅ ይርገጽ ከምዛ ዘይመገበ
ጽጋብ ዝፈጠሮ ዕሽነት
ካብ ትዕቢት ዝዉለድ መንነት
ተሰኪማ ዓለም
ሰብ ዘይሙካን፥ ናይ ሰብ ጸገም።
ሓድሕድ ምንጽጻር
ምስዕዓር ድዩ ምንባር ?
ሕጊ ተፈጥሮ ግን ተመላሊእካ ምምላእ
ከም ኦርጋን ወዲ ሰብ ህወት ንሙቃም
ብሕብረት ዪ ዝዓምም ።
ቅሳነት ኣብራሃም።
Dieser Beitrag ist auch verfügbar auf: Deutsch (German)